ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዓም ለኸ መድረኽ ፌዴሬሽናት ተሳቲፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ዓም ለኸ መድረኽ ፌዴሬሽናት ተሳቲፈን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኦራው ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ መድረኽ ፌዴሬሽናት ዝተሳተፋ እተን ኣምባሳደር÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ  ልምዲ ንተሳተፍቲ ኣካፊለን።

ኣብ እዋን ኮቪድ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣተገባብራን መንግስቲ ፌደራል ምስ ክልላት ዝነበሮ ኩለመዳይ ምውዳድ መበገሲ ብምግባር ተሞክሮ እታ ሃገር ኣቕሪበን።

ኣብ መድረኽ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ተወከልቲ ጀርመንን ብራዚልን እውን እተን ሃገራ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎን ፅቡቕ ልምዲ ኣቕሪበን።

ዓለም ለኸ መድረኽ ፌዴሬሽናት ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሉኡ÷ ኣፈፃፅማ ንጥፈታት ስራሕቲ ዝሓለፈ ዓመት  ከምዝገመገመን ኣብ ቀፃሊ ነቲ መድረኽ ብዝበለፀ ከጠናኽሩ ኣብ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ዛዕባታትን ልዝብ ብምክያድ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ጎድና ጎኒ እቲ ኣኼባ÷ ኣብ ፓርላማ ኣብ ሰሜናዊ ስዊዘርላንድ ትርከብ ከተማ ኦራው ብምርካብ ዑደት ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment