ኣምባሳደር ባጫ እዚ ምብራቕ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንጎረቤት ሃገር ዋሕስ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምብራቕ ንምኽባር ሉኣላዊነት ሃገር መስዋእቲ ንምኽፋል ንደሓር ዘይብሉ ኣባላት ዘለዉዎ ክፍሊ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

ነበር ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ዝነበሩ እቶም ኣምባሳደር÷ እቲ እዚ ዝተጣየሸ ወራር ሶማሊያ ንምክልኻን ሉኣላዊነት ንምኽባርን ከምዝኾነ ብምዝኽኻር÷ኣብቲ እዋን ዝተውሃበ ልኡኽ ብልዑል ጅግንነት ምስ ካልኦት ኣሃዱታትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ንወራሪ ሓይሊ አሕፊሩ ከምዝተመለሰ ኣብሪሆም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ኣብ ክልላት ሃረሪን ሶማሌን፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢታት ኣርሲን ባሌን ይፍጠሩ ዝነበሩ ፀገማት ፀፅታ ብዝወሰዶ ብርቱዕ ፀረ-ደባይ ተጋድሎ እተን ከባቢታት ሕዚ ንዝርከባሉ ሰላምን ምዕባለን ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ እውን ሓቢሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማሊያ ተዋፊሩ ህዝቢን መንግስቲን ሶማሊያ ካብ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብን ካልኦት መጥቃዕቲታትን ንምክልኻል ልዑል መስዋእትነት ዝኸፈለን ዓወት ዘመዝገበን እዚ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment