ኣምባሳደር ባጫ ኣብ ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኬንያ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ ኣብ ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እታ ሃገር ብምስታፍ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡

ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኬንያ ብተበግሶ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ዝተጀመረ እንትኸውን÷ ብሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገርን ብብሄራዊ ካቢኔ ምምሕዳርን ፀዲቑ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡

ኣቀማምጣ መሬትን ስነ-ምህዳርን ኬንያ መሊሱ ከጣይሽ ኢዩ ዝተባህለ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ÷ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት 15 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝሃቀነቶ ፕሮግራም ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣካል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝኾነ ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ናይሮቢ ልዕሊ 1 ሺሕ ፈልሲታት ከምዝተኸለ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ እቲ ኤምባሲ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 32 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝሓሰበ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment