ኣምባሳደር ሽብሩ ማሞ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩባ ሽብሩ ማሞ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ሽብሩ፥ ተቐማጥነቶም ኣብ ሃቫና ምስ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ናይዚ እዋን ተለዋጢት ኣባል ሃገር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾነት ህንዲ ማዱ ሲቲ፣ ባህማስ ኣንድሪው ብሬንት፣ ሆንዱራስ ኣንድሬስ ፓቮነ ሙሪሎ ከምኡ እውን ምስ ኣምባሳደር ሃይቲ ሬጂን ላሙር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ኢዮም ተዛቲዮም።

ኢትዮጵያ 86 ሚኢታዊ ማይ ኣባይ ተፈልፍል ሃገር ከምዝኾነትን 60 ሚኢታዊ ዜጋታታ መብራህቲ ዘይብለን ኮይኖም ዝርከቡላ ሃገር ካብ ድኽነት ክተውፅእ እናሰርሐቶ ትርከብ ፕሮጀክት እምበር ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ንምጉዳእ ከምዘይኮነ፣ ማይ ኣባይ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ብዝኾነ መገዲ ዓለም ለኸ ሕጊ ዶብ ዘለል ሩባታት ብዝሓለወ መልክዑ እናሃነፀት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምልኢት ማይ ኣካል እቲ ህንፀት ከምዝኾነ፣ ሰለስተኣዊ ድርድር ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብወገን ኢትዮጵያ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ነቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ሂቦምዎም።

ኣምባሳደር ሽብሩ ብዛዕባ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ፀገም ንብኣዊ ሓገዝ ንዝህቡ ዓለም ለኸ ትካላትን መራኸብቲ ሓፋሽን ዘይተገደበ ፍቓድ ምሃብ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓበራዊ ምርመራ ንምግባር እናተሰርሑ ብዛዕባ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

እቶም ኣምባሳደራት፥ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ልውውጥ ሓሳብ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment