ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ኣሜሪካ ዝተውፃእፅኡ 25 ፕሮፌሰራት ከምዝተዛተዩ ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ስለሺ ምስቶም ምሁራን ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ጉዳያት ጥቕልል ዝበለ ልዝብ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ እንትኾኑ፥ ብፍላይ ኣብ ሓደጋታት ተፈጥሮ፣ ጎንፂታት፣ ሕፅት ምግቢ ከምኡ እውን ኣብ ፍልሰት ብምድሃብ ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ኣብሪሆም፡፡
እቶም ፀገማት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሑዎ ፅዕንቶ ንምንካይን መዕለቢ ንመሃብን ዘኽእሉ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ከምዝተለዓሉ እውን እቶም ኣምባሳደር ፀሮሖም፡፡
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝፀንሐ ክልተኣዊ ርክብ ብምጥንኻር እናተወፅኦ ዝርከብ ግደ ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/