ኣምባሳደር ስለሺ ምስ ልዕሊ 50 ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለን ሚኒስትር ገንዘብ ኢዮብ ተካሊኝን ምስ ልዕሊ 50 ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ ዘቲዮም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣገዋ ምውፅኣ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ኣብሪሆም።

ብኣሽሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣልቦ ስራሕ ንክኾና ዝገብር ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ ካብ ስራሕ ንክወፅኡ ዘገድድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ንቡዙሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዝጎድእ ኣብሪሆም።

እቶም ኣምባሳደርን ሚኒሰተር ዴኤታን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽን ዘየወላውል ቅዋም ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ኩባኒያታት ኣሜሪካ ተረባሕነት ኣገዋ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተነበረ እገዳ ንክለዓል ደፍኢት ነክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment