ኣምባሳደር ሳሚያ ምስ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ዶሃ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር አምባሳደር ሳሚያ ዘካሪያ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብደልራሂም ኣልሲዲግ ሞሓመድ ጋር ኣብ እዋናዊ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ ኣብ እዋናዊ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን፣ ኣብ ግድብ ክሊ ግድብ ህዳሰ እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ድርድርን ክልተኣዊ ርክብን ንምጥንኻር እቶም ሚሲዮናት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት ዘድሃበ ኢዩ ነይሩ።

ኣምባሳደር ሳሚያ፥ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኩነታትን ኣመልኪተን ነቶም ኣምባሳደር ገለፃ ገይረናሎም።

ኣምባሳደር ኣብዱራሂም ብግደኦም፥ እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ዝነዉ መሰረተ ልምዓታትን ኣገልግሎታትን መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዘሎ ከይዲ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሳሚያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት፥ እቲ ጉዳይ ንነዊሕ ዓማውቲ መፍትሒ እንተይተገበረሉ ዝዘለቐን ናይ ባዕሉ ኮሚቴታት ተጣይሾም ኣብ ልዝብ ዝርከቡ ምዃኖም ኣልዒለን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሕዚ እውን ልዝብን ብዝምልከቶም ኮሚቴታት ኣቢሉ መዕለቢ ክሳብ ዝወሃቦ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ነባራዊ ኩነታት ንኽቕፅል ምስራሕ የድሊ ኢለን።

እቲ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐን ብሰላማዊ መገገዲ መፍትሒ ክዳለወሉ ዝኽእል ከምዝኾነን ገሊፀን።

ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት፥ እቶም ኣምባሳደራት ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል መምርሒ መሰረት ብምግባር ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ኣካላት እንተየድለየ ብልዝብን ድርድርን ረብሓ ምሕላው ዝብል ናይ ሓባር ሓሳብ ምንፅብራቖም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶሃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment