ኣምባሳደር ሱለይማን ደደፎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሱለይማን ደደፎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ብምዃን ተሾይሞም።

ኣምባሳደር ሱለይማን ቅድሚ ሕዚ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ ብምዃን ምግልጋሎም ይዝከር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ መሓመድ ጀማል ምክልት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽንን ወ/ሮ መሰረት ደስታ ምክልት ዋና ፈፃሚት ስራሕ ሓላፊት ዘፈር ምርምርን ቢዝነስ ዴቨሎፕመንትን እቲ ትካል ብምዃን ካብ 7 ጥሪ 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ከምዝተመደቡ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment