ኣምባሳደር ሬድዋን ንሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ንሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሴኔጋል፣ ዚምባብዌ፣ ካሜሩንን ኮቲዲቯርን ኢዮም ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መብርሂ ዝሃቡ።

ኣብቲ እዋን መብርሂ፥ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት፣ ግድብ ህዳሰን ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ኣልዒሎም።

ምስቶም ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝዘተዩ እውን ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሴኔጋል ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ፥ ሴኔጋል ፎረም ምትሕብባር ሚኒስትራት ኣፍሪካ ቻይና ብምትእንጋዳ ኣመስጊኖም።

ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ንዕቤት እታ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ መብርሂኦም፥ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ብቖራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾት ኣፍሊጦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment