ኣምባሳደር ሬድዋን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ክልቲኣዊ ዘተ ፖለቲካ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ክልቲኣዊ ዘተ ፖለቲካ ኣካይዶም እቶም ኣምባሳደር ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስላማዊ ሪፐብሊክን ፓኪስታን ዑደት ገይሮም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ፓኪስታን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ንኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዋ ቁርፀኝነት ንኢዶም።

እቲ ዘተ ምፍልፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ጉድኣት እንተየብፀሐ ሃፍታ ማዕረን ፍትሓዊን ብዝኾነ መገዲ ንመጥቃም ዘለዋ ቆራፅ ቅዋም ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment