ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ምግብን እርሻ (ፋኦ) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቁ ዶንግዩ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ፍርያትን መፍረያይነትን ምግቢ፣ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምፅዋርን ዘላቒ ልምዓት ንምቕፃል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ተመያይጦም፡፡
ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታ መስኖ ስርናይ ሓጋይ፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ኢንዱስትሪን ካልኦት ፕሮጀክታን ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡
ፋኦ ብዝተፈላለዩ ጨዓውዲታት ንኢትዮጵያ ሓገዝ እናገበረ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ትካል ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ንኽቕፅል ሓቲቶም።
ቂ ዶንግዩ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ እናዕረፈቶ ትርከብ ድሙቕ ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰርን መንግስቲ ኣብ ስርዓት ሕርሻ ለውጢ ንምምፃእ እናገበሮም ዝርከቡ ፃዕሪታትን ኣበረታቲዖም፡፡
ክልቲኦም ወገናት መፍረያይነት ንምድንፋዕ፣ ሓምለዎት ከተማታት ብምህናፅን ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእን ተዋዲዶም ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።