ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኬንያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኬንያ ኣምባሳደር ሪይቸል ኦማሞ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ሬድዋን አብ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን፣ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ከምኡውን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ሃገራዊ ምርጫ ነፃ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒ ንክኸውን ቦርድ ምርጫ ገለግለታ ኮይኑ ካብ ምውዳብ ጀሚሩ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ምርጫ ኣስታት 50 ዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝወዳደሩ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዛ ሃገር ክመርፁ ካብ ዝኽእሉ እቶም 80 ሚኢታዊ ካርድ ምርጫ ከምዘውፅኡ ብምግላፅ፥ እቲ ምርጫ ንምዕዛብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ምምዝጋቦም ኣብሪሆም።

ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት እውን ሱዳን ናብ ናይ ኢትዮጵያ ሉእላዊ ትሕዝቶ ከምዝኣተወት ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብሰለማዊ መገዲ ንክዛዘም አምነት ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፥ ብወገን ኢትዮጵያ መጀመሪያ እቲ ኣመላልኣ ግድብ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕነት ብምብፃሕ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ስምምዕነት ብዝምልከት ብርክት ዝበለ ግዘ ዝወስድ ምስ ምዃኑን ናይ ካልኦት ሃገራት ተፋሰስ ተሳትፎ ዝጠልብ ብምዃኑን ቀፂሉ ክረአ ከምዝግባእ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተትሓዘ ቅዋም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣብላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመንግስቲ ይቐርብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተሳተፉ ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝተሰርሐ ብምግላፅ፥ ትካል ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብምዃን ምርመራ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ኣምባሳደር ረይቸል ኦማሞ ብግደአን፥ ንዝተገበረለን መብርሂ አመስጊነን።

ሃገሮም ንኣፍሪካዊ ጉዳይ ኣፍሪካዊ መፍትሒ መርህ መሰረት ዝገበረ ጉዳይ ዕልባት ምርካብ ኣለዎም ብዝብል ከምእትኣምን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment