ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ ናይል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣  18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ ናይል ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኢትዮጵያ  ኣብ መንጎ ናይል ተፋሰስ ሃገራት  ፍትሓዊን ምኽንያታዊ ናይ ማይ  አጠቓቕማ መርህ ንክሰፍን ጠንካራ አቋም ብምሓዝ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብቕርበት እናሰርሐት ምፅንሓንእዚ ንምጥንኻርዘኽእል ናይ ምኽክር ጉባኤ ምገባር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ናይ ናይል ኣጠቓላሊ ስምምዕነት ማእቀፍ ዘይፈረማን ዘየፅደቓን ሃገራት ንከፍርማን ከፅድቓን ፃዕሪ ምግባር ከምዘድሊ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም፥ ዶብ ተሳገርቲ ሃፍቲታት ንናይ ሓባር ልምዓት ንምውዓል ናይ ሓባር ምትሕብባር ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ናይ ኣፍሪካ ጉዳይ ብኣፍሪካውያን ምፍታሕ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment