ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ  ፌዴሪኢ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ብምዃን ተሸይሞም።

እቶም ኣምባሳደር ካብ 17 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ከምዝተሾሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ብምዃን ኣብ ኤርትራ የገልግሉ ነይሮም።

ኣብ ኣየርላንድ ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ብምዃን ከምዘገልገሉ እውን ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment