ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሱዳን ዓሊ ኤልሳዲግ ዓሊ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኳታር ሱልጣን ቢን ሳድ አል-ሙራይኪንን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቬትናም ዶ ሃንግ ቬትን ዘቲዮም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ሚኒስትራት ጎስጓስ(ናም) ገለልተኛ ሃገራት ጎኒ ንጎኒ መስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ምስ እተን ሃገራት ዝህልዋ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ምዝታዮም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብተመሳሳሊ እቶም ኣምባሳደር ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማልዲቭስ ኣሕመድ ካሌልን ቀዋሚ ፀሓፊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጋምቢያ ሃቢብ ጃራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምጥማት ተመዝታዮም ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።