ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውሕመ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ እዋናዊን ዞባዊን ጉዳያት፣ ምንቅስቓስ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ጠሚቶም ከምዝተመያየጡ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽፍጠር ብቖራፅነት እናሰርሐት ምዃና እውን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ምትእስሳር መሰረተ-ልምዓት ካልኦት ዓውዲታትን እናሰርሐት ከምትርከብ ኣፍሊጦም፡፡

ኢትዮጵያ ምጥንኻር ዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ቁልፊ መፍትሒ ገይራ ከምትምልከት እውን ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ብተመሳሳሊ ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ በራን ኣብ እዋናዊ፣ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዘቲዮም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment