ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ፖለቲካ ደቡብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ፖለቲካ ደቡብ ኮሪያ ቹንግ ቢዩንግ ዎን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ኮሪያ-ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር፣ ንግዲን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብዚ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ጉባኤ መራሕቲ ኮሪያ ኣፍሪካ ቅድም ክብል ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮ-ኮሪያ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ብሓፈሻ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ፖለቲካ ደቡብ ኮሪያ ቹንግ ቢዩንግ ዎን ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ጭቡጥ ልምዓት ኢኮኖሚ ንምልዋጥ ተወሳኺ ፃዕሪታት ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ኮሪያ ኣፍሪካ÷ ደቡብ ኮሪያ ምስ ኣፍሪካ ዘለወ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዕድላት ዝፈጥር ከምዝኾነ ምግላፆ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment