ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ሮላንድ ኮቢያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር መቐለ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ መቐለ ኣቲዩ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሑ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተገሊፁ።

ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ከምዝገበሩ እቶም ኣምባሳዳር ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ንሰለስተ መዓልታ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብምዝውዋር ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ክዕዘብ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment