ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ተወካሊ ኤጀንሲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ፈላንደር ኣብ ቤልጂም ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ተወካሊ ኤጀንሲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ፈላንደር ኣብ ቤልጂም ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ንተወካሊ ኣፍሪካ እቲ ኤጀንሲ ለሊሴ ቤትጀስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹው ኩነታት ኢንቨስትመንት ገለፃ ገይረናሎም፡፡

ኣማራፂታት ዕዳጋ ብዝምልከት፤ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ፣ ኣፍሪካ ንኣፍሪካ ዝሃበቶ ዕድል ዕዳጋን ሕብረት ኣውሮፓ ንማዕበልቲ ሃገራት ዝሃቦ ኮታን መሰለ ናፃ ቀረፅን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ዕዳጋን ሓይሊ ሰብን ኣብ ግምት ብምእታው ቅድም ክብል ካብቲ ክልል መፂኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ብተወሳኺ ካልኦት እውን መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ተወካሊ እቲ ኤጀንሲ ለሊሴ ቤትጀስ ብግደኦም፥ ስግኣት ቫይረስኮሮና እንትቕረፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ቢዝነስ ናይ ምግባር ድሌት ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment