ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂየም ሂሩት ዘመነ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን፡፡

ኣምባሳደር ሂሩት፥ ምስ ዳይሬክተር ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ሪታ ላራንጂንሃ፣ ዳይሬክተር ቢሮ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዜጋታ ትሕቲ ሰሃራ፣ እስያ፣ ላቲንን ፓስፊክን ሕብረት ኣውሮፓ ኣንድሪያ ኩላይማን ምስ ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ሃንስ ስታውስቡልን ኢየን ተዛቲየን።

እተን ኣምባሰደር ኣብ ዘተአን ምስ እዋናዊ ኩነታ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት መብርሂ ዝሃባ እንትኾና፥ ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ናብ ካሊእ ዙር ኲናት ዘእተዋ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተግባሩ ንክኹኖ ሓቲተን።

ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ዘተ ሰላም መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣብሪሀን።

እቲ መድረኽ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብግልፂ ንምብራህ ዕዙዝ ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂየም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

 

Comments (0)
Add Comment