ኣምባሳደራት 28 ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣፍሪካን ኤስያን ናብ ከተማ ኣኽሱም ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፥ ተቐማጥነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደራት 28 ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣፍሪካን ኤስያን ናብ ከተማ ኣኽሱም ኣትዮም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም እንትበፅሑ÷ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃንን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እታ ከተማን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ሓወልቲ ኣኽሱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ቦታታት ዑደት እናገበሩ ይርከቡ።

ብምትሕብባር ዪኔስኮን ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዝተሰናደአ እቲ ዑደት÷ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ንምዕባይን ናብ ንቡር ንምምላስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment