ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ውቕር ኣቢያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ንምኽባር ናብ ላሊበላ ዝኣተዉ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ውቕር ኣቢያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ዑደት ኣካይዶም።

መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት በዓል ልደት ንምኽባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ከተማ ላሊበላ ኣቲዮም ይርከቡ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት÷ ብዕድመ ሚኒስቴር ቱሪዝም ናብ ላሊበላ ዝተጓዓዙ መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ልዕሊ 10 ኣምባሳደራትን ተወከልቲ 20 ሃገራትን ተሳቲፎም፡፡

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዑደቶም በቶም ውቑራት ኣቢያተ ክርስቲያናት ከምዝተደነቑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ርኢቶኦም ሂቦም።

ብሜሮን ሙሉጌታንታምሩ ከፈለኝን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment