ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዑደት ገይሮም

ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣምባሳደራት ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘሰናደኦ እቲ ዑደት፤ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ይቭጌኒ ተረኪን ሓዊሱ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካን መራሕቲ ጉጅለ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮናት ተሳቲፎም፡፡

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታ ከይዲ ህንፀፅን እቲ ግድብ ነቶም ጎብነይቲ ገለፃ ምግባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ እቲ ግድብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ገለፃኦም ድማ ኣብ የማንን ፀጋምን እቲ ግድብ ክልተ ክፍሊታት መፈልፈሊ ሓይሊ፣ ብኣብ ፀጋማይ ክፍሊ እቲ ግድብ ሽዱሽተ መፈልፈሊ ሓይሊ ተርባይናት ከምኡ እውን ኣብ የማና ፀጋም ሸውዓተ መፈልፈሊ ሓይሊ ተርባይናት ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡

ማይ ካብ ላዕሊ ውሒዙ ነቶም ተርባይናት ሓይሊ ምሰፈልፈለ፤ ብትሕቲ እቶም ተርባይናት ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ህንፀቱ እምትዛዘም ካብቲ ግድብ ብዓመት 5 ሺሕን 760 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ብሄራዊ ሓይሊ ቋት ምእታው ከምዝከኣል ሓቢሮም፡፡

Comments (0)
Add Comment