ኣምባሳደራት ኢትዮጵያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ጉዳይ ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ እናገልገሉ ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ጉዳይ ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ÷ ባህሊ፣ ጥበብን ስፖርትን ንዲፕሎማሲ ብዛዕባ ዘለዎም ግደ መብርሂ ሂቦም።

ወናኒት ብዝሃ ባህሊ ዝኾነት ኢትዮጵያ እዚ ሃፍታን ፍሉይ ዝኾነ ባህላን ብምፍላጥ ምስላ ክትሃንፅን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ክትጥቀመሉ ከምትኽእል ገሊፆም።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ባህሊ፣ ፌስቲቫል ሙዚቃን ስፖርታዊ ፍፃመታትን ኣብ ምስንዳእ ኣስተዋፅኦኦም ከዕብዩ ከምዝግባእ ኣይተ ቀጀላ ምግንዛቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment