ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ዘንበረቶ ክልከላ ቪዛ ንክፍለ ዘበናት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘሐርፍፍ ከምዝኾነ ኢትዮጵያውያንን ኣባላት ዳያስፖራ ማሕበረሰብን ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ ኣግባብነት ዘይብሉ ብምዃኑ ደው ኢልካ መሕሳብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ገደብ ሺዛ መንባሩ ይዝከር።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ጉዳያት ንህዳሰ ግድብ ከምመደራደሪ ነምጥቃም መሕሳባ ብምሕባር እቲ ኣካይዳ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ኣሜሪካ ዘንበረቶ ገደብ ቪዛ ንክፍለ ዘበናት ዝፀንሐ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘሐርፍፍ ኢዩ ኢሎም እቶም ኣባላት ዳያስፖራ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።