ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣፅዲቓ።
እቲ ኤጀንሲ እቲ ክታበት ኣብ ረብሓ ንክውዕል ፍቓድ ንክህብ ካብ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሓያል ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተገሊፁ።
ሓላፊ ኤፍዲኤ ስቴፈን ሃን፥ ብዓርቢ ነቲ ክታበት ከጽድቕ ወይ ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝተነግሮ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን። ንሱ ግን “ሓቂ ኣይኮነን” ይብል።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዙርያ ክታበት “24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ” ክወሃብ እዩ ይብል።
ትማሊ ዓርቢ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኹራ ዝተሓወሶ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ክጥቅዕ እንከሎ፡ ንኤፍዲኤ “ዓብዪ፣ ኣረጊት፣ ዝሕቱል ኣባ ጎብየ” ክብሎ እንከሎ “ዶክተር ሃን፡ ጠላዕ ገዲፍካ እቲ መድሃኒት ኣምጽኣዮ፤ ህይወት ሰባት ኣድሕን” ኢሉ።
ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ዋይት ሃውስ ማርክ ሚዶውስ ንኮሚሽነር ኤፍዲኤ ዶክተር ሃን እቲ ክታበት ከጽድቖ ከም ዝኣዘዞ፤ እንተዘይኾይኑ ድማ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ከእቱ ከምዝኣዘዞ ካብ ምንጪታት ሓበሬታ ረኺበ’የ ይብል።
ዶክተር ሃን ንማዕኸናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ልዕሊ 292 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ብሮቡዕ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝኾነ ሞት ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣመሪካ ተመዝጊቡ።
ሚኒስተር ጥዕናን ኣገልግሎት ሰብን ኣሌክስ ኣዛር ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰኑይ ወይ ሰሉስ ብብዝሒ ክታበት ንምርካብ ምስ ፒፋይዘር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።
ክታበት ፒፋይዘር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ሃገራት ብሪጣሪያ፣ ካናዳ፣ ባሕሬንን ስዑዲ ዓረብን ኣጽዲቐነኦ እየን።
ፒፋይዘር፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣስታት 6.4 ሚልዮን ክታበት ንኣመሪካ ከፍሪ መደብ ኣለዎ። እዚ ንሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ዝኸውን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ሰብ መዚ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ፌደራል፡ ኣብቲ ክታበት 21 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሰለስተ ሚልዮን ኣረጋውያንን ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ይብሉ።
ሞዴርና ዘማዕበሎ ክታበት’ውን ኣብ ሓደጋ ግዜ ንክውዕል ፍቓድ ክረክብ ይጽበ ኣሎ። ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ (ኤፍዲኤ)፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ፒፋይዘር ባዮንቴክ ንሓደጋ እዋን ክውዕል ኣፍቂዱ።
ፍልፍል፦ቢቢሲ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!