ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሃገራት ትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ግቡእ ኣይኮነን – ሩሲያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሃገራት ትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ክትቁጠብ ከምዝግባእ ሩሲያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ማሪያ ዛካሮቫ፥ ጉጅለ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ንምእታው ዝገብሮ ፃዕሪ ተቓዊመን፡፡

እቲ ጉጅለ ብቓል ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር እውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዱ ንምእታው ዝገብሮ ፈተነ ጠጠው ንኸብል እውን ሓቲተን።

እቲ ጉጅለ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ፥ ድሌት መሓዙት ኣብ ውሽጢ ግምት ብዘይምእታውን ብዘይምኽባርን ዝውስኖ ውሳነ ግቡእ ከምዘይኮነ ኢየን እተን ኣቐባሊት ቃል ዝገለፃ።

ሩሲያ ቅድሚ ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ሕዚ ድማ ክልል ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን፤ ናይ ውሽጢ ጉዳይ እምበር ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ዝደሊ ከምዘይኮነ ገሊፃ ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment