ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ለውጢን ሃገራዊ ምርጫን ትድግፍ ኢያ-ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ለውጢን ሃገራዊ ምርጫን ከምእትድግፍ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ አንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፥ ከልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለዎ ረብሓ በዝምልከት ኣፅንኦት ብምሃብ ተላዚቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ቀውሲ ዘለዎም ስግኣት ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ ህይወት ሰብ ንከይጠፍእ ኣተኣማማኒን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ደገፍ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።

አያይዘውም ሃገራቸው በኢትዮጵያ የለውጥ ሂደቱን እና ቀጣዩን ምርጭ ትደግፋለች ብለዋል፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ለውጢን ሃገራዊ ምርጫን ትድግፍ ኢያ እውን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩለ መዳይ ለውጢ ንምድጋፍ ንዘርኣየቶ ምልዕዓል ምስጋና ኣቕሪቦም።

ዴሞክራሲያዊ፣ ዝበልፀገትን ሰላም ዝዓሰላን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ብዝተጠናኸረ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝሓሸ በርኪ ከምዝበፅሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ኣብ ዘቐመጥዎ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment