ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ተወሳኺ ሓገዝ ንክኣቱ ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ተወሳኺ ሓገዝ ንክኣቱ ኣተሓሳሲባ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ፥ ብውሑዱ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ሰሙናት ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክህሉ ኣለዎ ኢለን።

እዚ ድማ ኣብ ዕገታ ዘለዉ ዜጋታት ነፃ ከውፅኦም ከም ዝኽእል ተዛሪበን።

ኣብ ቓዛ መዓልታዊ እንርእዮ ዘለና ነገር ኣዕናዊ እዩ ዝበላ እተን ምክትል ፕሬዚዳንት፥ ስድራቤታት ቈፅሊ ወይ ቀለብ እንስሳታት ከም ዝበልዑ፣ ሕፅረት መግቢ ዘለዎም ቈልዑ ዝወልዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘይረኽባ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ህፃናት ብሕፅረት መግብን ማይን ይሞቱ ከም ዘለው ንሰምዕ ኣለና ኢለን።

እስራኤል፥ ሓማስ ዝርዝር ብህይወት ዘለው ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣይሃበን ብዝብል ኣብቲ ኣብ ግብፂ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ዘይምስታፉ ይዝከር።

ሓማስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ቦምባ እስራኤል ከምኡ ክገብር ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ አዩ።

ጕጅለ ልኡኽ ሓማስን መንጐኛታት ኣመሪካን ኳታርን ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፍልስጤም እትርከብ ከተማ ንረድኤት ዝመፅኡ ሰባት፥ ብውሑዱ 112 ሰባት ድሕሪ ምማቶም ኣብቲ ዞባ ምቍራፅ ተፃብኦታት ክግበር ልዑል ፀቕጢ ይቐርብ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment