ኣሜሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝርከቡን ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶምን ጉጅለታት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ትማሊ ዓርቢ ለይቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ብዝወሰድዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ስለዝተቐተሉ ሕነ ንምፍዳይ ዝወሰደቶ እዩ ተባሂሉ።

ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ነዊሕ ርሕቐት ዝጉዓዛን ቦንባ ዝድርብያን ነፈርቲ ውግእ ከምዝተጠቐመት ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከቡን ብኢራን ንዝድገፉ ጉጅለታት ዘተኮረ ከምዝኾነ ማእኸላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዒራቕ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሶርያ ድማ ኣርባዕተ ግዜ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀማ ተገሊፁ።

ቀንዲ ዕላማአን፥ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሰየ ዕጡቓት ሓይሊታትን ተሓባበርቶምን ዝርከብዎም ስፍራታት ከምዝኾነ መግለፂ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ምሕባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment