ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶታት ዓመፅቲ ሁቲ የመን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈፀመት ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓመፅቲ ሁቲ ኣብ ለዕሊ ኣውሮፕላናት ኣሜሪካ ሚሳኤላት ብምትኳስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዘንቀሳቐሳ መርከባት ኣሜሪካን መሻርኽታን መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣሉታዊ ፅዕንቶታት እቲ ጉጅለ ንምውጋድ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ምላሽ ከምዝህብ ዝገለፀ እቲ ጉጅለ ብግድኡ፥ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሑዱ 31 ሰባት ሀይወቶም ከምዝሰኣኑን ካልኦት 101 ሰባት ድማ ምቑሳሎምን ገሊፁ።