ኣሜሪካ ንእስራኤል፣ ዩክሬንን ታይዋንን ሓገዝ 95 ቢሊየን ዶላር ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሴኔት ኣሜሪካ ንእስራኤል፣ ዩክሬንን ታይዋንን ሓገዝ 95 ቢሊየን ዶላር ንምግባር ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።

እቲ ሓገዝ ብኣባላት ሴኔት 67 ን 32 ብዝኾነ ኣብዝሓ ድምፂ ከምዝፀደቐ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ተወከልቲ ሪፐብሊካን እቲ ሴኔት ነቲ ውሳነ ከምዝተቓወሙዎ ተሓሩ፡፡

ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካን ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ወታደራዊ ሓይሊ ዩክሬንን እስራኤልን ንምጥንኻር ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንታይዋንን ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ሴኔት ካብቲ ሓገዝ ብተወሳኺ÷ ንድሕንነነት ኣሜሪካ ስግኣት ኢዩ ዝተባህለ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝምልከት ውሳነ እንተየሕለፈ ምትራፉ ዩኤስኤ ቱዴይ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment