ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ 313 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ዝውዕል ከባቢ 313 ሚሊየን ዶላር ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባራ ኣፍሊጣ።

እቲ ሓገዝ ብዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩ ኤስ ኤይድ) ኣቢሉ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን በቲ ጎንፂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ዝከፋፈል ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ንምብፃሕ፣ ትካላት ጥዕና ዝህበኦ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ፣ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል፣ ፆታዊ መጥቃዕቲታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ፀገማትን ንምንካይ ክውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነት ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ነዚ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺም ከምዝቐፀሉ ተሓቢሩ፡፡

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ጎንፂ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 995 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዘውፅእ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባራ እውን ዩ ኤስ ኤይድ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment