ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ስምምዕነት ኣጎዋ ንምውፃእ ዝሃበቶ ውሳነ ንክተፅንዖ መንግስቲ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ስምምዕነት ኣጎዋ ንምውፃእ ዝሃበቶ ውሳነ ዝተሰሓሓተን ተረባሕነት ዜጋታት ዝጎድእን ስለዝኾነ ንክተፅንዖ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣተሓሳሲቡ።

ኣጎዋ፥ ኢትዮጵያ ፍሪያታ ብዘይቀረፅ ናብ ኣሜሪካ ንክተእቲ  ዝፈቅድ ስምምዕነት  ኢዩ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ እቲ ውሳነ በዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘሎ ጎንፂ ምኽኒያት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘለዎ ስግኣት ንርዳእ ኢና ኢሉ።

ይኹን እንበር ኣሜሪካ ዘለዋ ስግኣት ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ስምምዕነት ንምውፃእ እኹል ምኽኒያት ክኸውን ከምዘይኽእል ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ካብ ስምምዕነት ኣጎዋ ምውፃእ ልዕሊ 200 ሺሕ ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ምስቲ ጎንፂ ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሎም ብፍላይ ደቂ ኣኒስቲዮ ተጎዳእቲ ከምዝገብር ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ስምምዕነት ኣጎዋ ንምውፃእ ዝሃበቶ ውሳነ ዝተሰሓሓተን ተረባሕነት ዜጋታት ዝጎድእን ስለዝኾነ ንክተፅንዖ ኣተሓሳሲቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment