ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 331 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባራ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኢትዮጵያ ልዕሊ 331 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ዕላዊ ገይሮም።

ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝሓሮ፥ እቲ ሓገዝ በቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ብዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ኣቢሉ ዝግበር ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ንምግቢ፣ መድሓኒትን ፅሩይ መስተ ማይን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ፣ ዝተመዛበሉ፣ ብድርቂ ንዝተጎድኡን ሕፅረት ምግቢ ንዘጋጠሞምን ዜጋታት ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምግባር ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ እዚ 12 ሚሊየን ዶላር ብቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣቢሉ ዝግበር እንትኸውን፥ 319 ሚሊየን ዶላር ድማ ብዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣቢሉ ዝግበር ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ፥ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023 ዝገበረቶ ሓገዝ ናብ 780 ሚሊየን ዶላር ከምዘዕብዮ እቲ ሚኒስቴር ፀሪሑ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment