ኣሜሪካ ነፈርትን መራኽብ ውግእን ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣዋፊራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ክፍፀም ዝኽእል መጥቃዕቲ ኢራን ንምክልኻል ዓሊማ ተወሰኽቲ መራኽብን ነፈርት ውግእን ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ከምዘዋፈረት ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዞባ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ቁልፊ ኣዛዚ ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህን ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

ነቲ ቅትለት ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ዓሲሉ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ንሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ዝኣወጁ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ካሜነይ ብሰንኪ ቕትለት ሃኒየ ኣብ ልዕሊ እስራኤል “ከቢድ መቕፃዕቲ” ከምዝውሰድ ተሓንዮም።

ኢራንን ኣብ ቃዛ ዝርከብ ወኪላን እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈፀመ ይኸሳ።

እስራኤል ድማ ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበትን።

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ ሃኒየ ብሰፊሑ ከም ሓፈሻዊ መራሒ ሓማስ ዝቑፀር ዝነበረ እንትኸውን፥ ኲናት ቓዛ ንምቁራፅ ኣብ ዝዓለመ ልዝብ እውን ቁልፊ ተራ ተፃዊቱ ኢዩ።

እስራኤል ንላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ውክልና ኢራን ኣብ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ፉዓድ ሹከር ቀቲለዮ ድሕሪ ምባላ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተቐቲሉ።

ፔንታጎን ዘውፅኦ መግለፂ፥ እዚ ሓድሽ ምውፋር “ሓለዋ ሓይሊ ኣሜሪካ ዘመሓይሽ… ንመከላኸሊ እስራኤል ዝህቦ ደገፍ ዝውስኽ’ዩ። ኣሜሪካ ንዝተፈላለዩ ህፁፅ ኵነታት ምላሽ ክትህብ ድልውቲ ምዃና እውን ዘረጋግፅ’ዩ” ይብል።

ሰራዊት ኣመሪካ ቅድሚ 13 ሚያዝያ፥ ኢራን ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፈፀመትሉ እዋን’ውን ምውፋር ኣሐይሉ ነይሩ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment