ኣሜሪካ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ 536 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ዝውዕል 536 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

ዋና ፀሓፊ ሲቪል ድሕንነት፣ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን እታ ሃገር ኡዝራ ዘያ÷ ኬንያን ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ፃንሒት ከምዝነበረንን ኩለመዳያዊ ዑደትን ከምዝገበራ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ፃንሒት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ምስ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስን መንግስታዊ ምስ ዘይኮኑ ኣካላትን ዕዉት ዘተ ከምዝገበራ ሓቢረን።

መንግስቲ ኣሜሪካ መሓዙት ሲቪል ማሕበረሰብን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣመልኪተን፡፡

እተን ዋና ፀሓፊት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብተወሳኺ÷ ኮትዲቯር፣ ጊኒ፣ ሞሪታኒያ፣ ሞዛምቢክ፣ ናሚቢያ፣ ናይጄሪያን ጋምቢያን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ከምዝገበራ ገሊፀን፡፡

ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ልዕሊ 38 ሚሊየን ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዘበሉ ኣልዒለን፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 30 ሚሊየን ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝርከቡ እንትኾኑ÷ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ዶብ ዘቋረፁ ኢዮም ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢላ እናተኣናገደት ከምትርከብ እውን ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 536 ሚሊየን ዶላር ሓዱሽ ሓገዝ ዕላዊ ከምዝገበረ ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ የመላኽት፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment