ኣሜሪካ ተወሳኺ ሓገዝ 55 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል ተወሳኺ 55 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ኣበርኪታ።

እቲ ሓገዝ ብዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣቢሉ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ኣሜሪካ ዝገበሮ ሓገዝ ገንዘብ፥ ኢትዮጵያ እዋናዊ ፀገም ቀረብ ምግቢ ንምዋር ንኽሕግዛን ኣብ ቀፃሊ ምስ ምግቢ ዝተተሓሓዙ ሓደጋታት ንምክልኻን ምላሽ ንመሃብን ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝሃንፀላ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓገዝ ክርከብ ዝኸኣለ፥ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ጀርመን ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 7 ብመሰረት ዝኣተዉዎ ቃል ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ባይደን ኣብቲ ጉባኤ ኣሜሪካ ብዓለም ለኸ ደረጃ ንቕልውላው ሕፅረት ምግቢ ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረተሰብ 2 ነጥቢ 76 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ከምትገብር ምዝራቦም ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment