ኣሜሪካ ብኢራን ይድገፋ ኢዮም ኣብ ዝበለቶም ሚሊሻታት መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ዝንቀሳቐሱን ብኢራን ይድገፋ ኢዮም ዝለቶምን ሚሊሻታት ዝጥቀሙሎም ሰለስተ ትካላት መጥቃዕቲ ምፍፃማ ኣፍሊጣ።

እቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ ሚሊሻ ካታይብ ሂዝቦላህን ካልኦት ምስ ኢራን ርክብ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ጉጅለታትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ተዛሪቦም።

“እቲ ስጉምቲ ኣብ ኢራቕን ሶሪያን ዝርከቡ ጉጅለ ዕጡቓት ኣሜሪካን መሓዙታን ንዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ኣፀፋዊ ምላሽ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምዕራብ ኢራቕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ብዙሓት ወታደራት ኣሜሪካ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

Comments (0)
Add Comment