ኣሜሪካ ምስ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሜሪካ፣ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ወታደራዊ ልምምድ ጥሙር ሓይሊ ባሕር ምክያድ ጀሚረን፡፡

እቲ ወታደራዊ ልምምድ ብኣሜሪካ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ብኒውክሌር ትንቀሳቐስን ኣውሮፕላን ተርሽከምን ዓባይ መርከብ ኣሜሪካ ተሳታፊት ከምዝኾነት ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እታ መርከብ፥ ነተን ሃገራት ካብ ሰንጣቒት ባሕሪ መርከብ ሰሜን ኮሪያ ባለስቲክ ሚሳኤል እንተተኲሱወን ብኸመይ ከምዝምክታ ንምልምማድ ዘኽእል ሙሉእ ኣገልግሎት ዝተማለአላ ከምዝኾነት ተሓቢሩ፡፡

ንክልተ መዓልቲ ጀጁ ኣብ ዝተብሃለት ደቡባዊ ደሴት ሴኡል ዝካየድ ልምምድ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ደቡብ ኮሪያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ልምምድ እናተሳተፉ ዝርከቡ ኣዛዚ ጦር ደቡብ ኮሪያ ብርጋዴር ጀነራል ኪም ኢን-ሆ፥ ”ካብ ሰሜን ኮሪያ ዝፍኖ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብብቕዓት ክንምክት ንኽእል ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment