ኣሜሪካ መመሓላለፊ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም ኣፈንጂራቶ ክትከውን ከምትኽእል ተሓሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ካብ ሞስኮ ናብ በርሊን ዝተዘርገሐ መመሓላለፊ መስመር ጋዝ “ኖርድ ስትሪም” ኣፈንጂራቶ ክትከውን ከምትኽእል ተሓሩ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ከምዝበሉዎ÷ ኣሜሪካ ምትሕብባር ጀርመንን ሩሲያን ከም ስግኣት ትሪኦ ኣላ፡፡

እቲ ክልተኣዊ ርክብ÷ ሩሲያ ንጀርመን ተቕርቦ ኣማራፂ ሓይሊን ጀርመን ድማ ንሩሲያ ኣብ ትልእኾ ቴክኖሎጂ ዝተመስረተ ከምዝኾነን ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ብኮርፖሬሽናታ ዕዳጋ ዓለም ብብሕታ ክትመርሕ ንትደሊ ኣሜሪካ ዝወሓጥ ኣይኮነን ክብሉ ምግላፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

“ብምዃኑ ኣሜሪካ ካብ ሞስኮ ብበርሊን ኣቢሉ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ጋዝ ንምብፃሕ ዘገልግሉ መስመራት መመሓላለፊ ጋዝ “ኖርድ ስትሪም” 1 ን 2ን ወቒዓቶም ኣላ” ኢሎም፡፡

ነዚ ድማ ክመረዳእታ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሚኒስትር ፖቲካዊ ጉዳያ ዝኾኑ ቪክቶሪያ ኑላንድ ኣብ ቅድሚ ሴኔቶም ዝተዛረቡዎ ሓሳብ ኣልዒሎም።

ኑላንድ ÷ “መመሓላለፊ መስመር ጋዝ “ኖርድ ስትሪም 2” ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዘሎ ዝተሰባበረ ሓፂን ምዃኑ ምፍላጠይ ዕግበት ይስመዐኒ” ክብሉ ገሊፆም ነይሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment