ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ዝተብሃለ ልዕሊ 453 ሺሕ መከላኸሊ ኮቪድ-19 ክታበት ንኢትዮጵያ ብሓገዝ ከምዘበርከተት ተገሊፁ።
እቲ ሓገዝ ክታበት፥ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጌታ ፓሲ ንሚኒስትር ዲኤታ ሳህረላ ኣብዱላሂ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጣቢያ ጥዕና ጃንሜዳ ተረኺበን ኣረኪበንአን።
ሎሚ መዓልቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ዝተብሃለ 453 ሺሕን 600 ክታበት ኮቪድ ከምዝኾነ ግዜኢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ፀሪሑ ፀብፂቡ።
ኣብ ቀፃሊ 504 ሺሕ ክታበት ሓገዝ ከምዝግበር እውን እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ ሓዊሱ ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ንኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባራ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።