ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሓላፊ ሃማስ ማርዋን ዒሳ ከምዝተቐተለ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ሓላፊ ሃማስ ዝኾነ ማርዋን ዒሳ ብደብዳብ ኣየር ከምዝተቐተለ ኣፍሊጣ።

ማርዋን ዒሳ ምክትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሃማስ እንትኸውን፥ ኲናት ሃማስን እስራኤልን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅመር ዝተቐተለ ዝልዓለ ሓላፊ ሃማስ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሃማስ ብዛዕባ ምቕታል ሓላፊኡ ኣመልኪቱ ክሳብ ሐዚ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን ተባሂሉ።

ትማሊ ሰኑይ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ብቴሌፎን ብምርኻብ ብዛዕባ ኣንፈት እቲ ኲናት ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ማርዋን ዒሳ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትሕቲ መዓስከር ስደተኛታት ነሰራት ኣብ ዝነበረ ገለርያታት እስራኤል ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር  ከምዝተቐተለ’የን ኣቃሊሐን።

ማርዋን ዒሳ፥ እስራኤል ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣእትያቶ ዝፀንሐት ምክትል ኣዛዚ ብርጌድ ኣዛዲን ኣል-ቓስም ከመዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment