ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ፈላማይ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ኣካደን

ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ፈላማይ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ኣካደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ፈላማይ ዝኾነ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ኣካደን።

እቲ ሰለስተኣዊ ወታደራዊ ልምምድ ካብ ሰሜን ኮሪያ ክፍኖ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኒውክሌርን ሚሳኤልን ንምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ልሳነ ምድር ኮሪያ ዝተኻየደ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ÷ ኒውክሌር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዋ ስትራቴጂክ ቦምብ ትድርቢ ኣውሮፕላን ኣሜሪካ ከምዝተሳተፈት ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ዘበናዊ ተዋጋእቲ ጄታት ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ሓዊሱ ካልኦት ጦር መሳርሒታት ኣበቲ ልምምድ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓላ ተገሊፁ፡፡

ሰሜን ኮሪያ ብግደኣ÷ “ኣብ ዞባ ልሳነ ምድሪ ኮሪያ ዝተኻየደ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ቅሉዕ ተግባር ፅሕተራ ነገር ኢዩ” ክትብል ኮኒናቶ፡፡

ኣሜሪካ መሰል ጦር መሳርሂታት ናብቲ ዞባ ምንቅስቓሳ ድማ ኰናት ኒውክሌር ንኽጅመር ትገብሮ ትንኮያ ከምዝኾነ ገሊፃ፡፡

ኣሜሪካ ብኣንፃሩ÷ “እቲ ወታደራዊ ልምምድ ዋሺንግተን ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንኽህሉ ዘለዋ ቆራፅነት ንምርኣይ ዝዓለመ ኢዩ” ክትብል ብፒዮንግያንግ ዝቐረበላ ውንጀላ ውድቂ ገይራቶ፡፡

እቲ ልምምድ ኣብ ዞባ ኢንዶ ፓሲፊክ ምስ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፃ እውን ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment