ኣሜሪካዊ ምሁር ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍፅመኦ ሽርሒ ኣቃሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣሜሪካን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ንምእታው ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነትን ሻራን ብመረዳእታ ምምካትን ምቅላዕን ከምዝግባኣ ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካን ጋዜጠኛን ኣንድሪው ኮርይብኮ ገሊፁ።

እቲ ተንታኒ “ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝፍፅሙዎም ሰለስተ ሽርሒታት” ብዝብል ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፥ ውሕመን ኣሜሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዝርከቡ ግዕዙያት ሰራሕተኛታት ኣቢሎም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ብምእታው ፅዕንቶ ንምሕዳር እናገበረኦ ዝርከባ ሕቡእ ሽርሒ ኣቃሊዑ፡፡

ንኣብነት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ 428 ናይ ትካል ምግቢ ዓለም ተሽከርከርቲ እንተይተመለሳ ምትራፈን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠቡ ገሊፁ፡፡

እተን ተሸከርከርቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዕጡቓት ናብ ዓውደ ኲናት አእቲዩ እናተጠቐመለን ከምዝርከብ ንምዝራብ ከምዘይደፈሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብግልባጡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅ መሕለፊ መገዲ ዓፂዩ ኣብ ዝብል ዝተወዘዐ ክሲ ከምዝተፀመደ ገሊፁ፡፡

ብካሊእ መዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝተዋፈሩ 7 ኣብ ግዕዝይና ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ወፃእ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሓገዝ እናገበሩ ስለዝተረኸቡ ካብ ሃገር ክወፅኡ ምግባሩ ኣዘኻኺሮም፡፡

ይኹ እምበር እቲ ትካል እቶም ሰራሕተኛታት ዝፈፀሙዎ ዘይግቡእ ስራሕ ኣብ ክንዲ ምፅራይን ቅፅዓት ምምሕልላፍን ከምኡ እውን ብካልኦት እሙናት ሰራሕተኛታት ክትክእ እናተገበአ፥ ዓይኑ ብጨው ሓፂቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘየድሊ ፅዕንቶ ንምሕዳር ኣበርቲዑ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊት ትካል ስደተኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ሸሊኹ ወፂኡ ብዝተብሃለ ምስጢራዊ ቅዳሕ ድምፂ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ስርሑ ዝተቓለዖ እቲ ትካል፥ ነተን ሓለፍቲ ብሽም ዕረፍቲ ናብ ኣሜሪካ ክምለሳ ምግባሩ ካሊእ ሽርሑ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገርን ኣሜሪካን መሓዙታን ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢድ ንምእታው ዘርእየኦ ኢድ ኣእታውነት ብመረዳእታ ምቅላዕ፤ ነዚ ድማ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድልዮም ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment