ኣሜሪካን እንግሊዝን ዓመፅቲ ሁቲ ይርከቡዎም ኣብ ዝበለኦም 36 ቦታታት መጥቃዕቲ ፈፂመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን እንግሊዝን ዓመፅቲ ሁቲ ይርከቡዎም ኣብ ዝበለኦም 36 ቦታታት ዕላማ ብምግባር ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ምፍፃመን ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝሓሮ÷ ክልቲአን ሃገራት ብኣየርን ብባሕሪን ብዝገበረኦ ወፍሪ ምጥቃዕ ኣብ የመን ትሕዝቶ ሁቲ ኢዮም ዝተብሃሉ 36 ዒላማታት ዕዉት መጥቃዕቲ ፈፂመን፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ዓመፅቲ ሁቲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን እንግሊዝ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ወታደራዊ ዓቕሚ እቶም ዓመፅቲ ንምድኻምን ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ እዚ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ የመን ዝርከቡ ዓመፅቲ ሁቲ ብግደኦም÷ “ኣሜሪካን እንግሊዝን ንዝፍፅመኦ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ይፀበያ ክብሉ ተሓኒዮም፡፡

ቃል ኣቐባሊ ቃል ጦር ዓመፅቲ ሁቲ ብርጋዴር ጄኔራል ያህያ ሳር÷ መሰል መጥቃዕቲታት ንፍልስጤማውያን ካብ ወራር እስራኤል ንምክልኻል ዝገብሩዎ ሓገዝ ፈፂሙ ጠጠው ከምዘየብሎ ምግላፁ ኣር ቲን ፕሬስ ቲቪን ፀብፂቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment