ኣሜሪካን ብሪታኒያን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሁቲ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ፈኒየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ብሪታኒያን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሁቲ ሓዱሽ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ምፍፃመን ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ቤት ግምጃ ኣፅዋር ውሽጢ መሬት፣ መቆፃፀሪ ቦታ ሚሳኤላት ሁቲ ሓዊሱ ኣብ ሸሞንተ ዒላማታት መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣፍሊጡ፡፡

ፔንታጎን ብዕሊ ኣብ ዘውፀኦ ሓበራዊ መግለፂ ድማ ኣብ ልዕሊ ሁቲ ተወሳኺ ዙር ተመጣጣኒን ኣድላዪን መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ ኣረጋጊፁ።

እቲ ስጉምቲ ዝተወሰደሉ ዒላማ እውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነገሰ ወጥሪ ንምህዳእን ምርግጋእ እቲ ዞባ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣሜሪካን ብሪታኒያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 11 ጥሪ ንደሓር ሓበራዊ መጥቃዕቲ እንትፍፅማ እዚ ንካልኣይ ግዘ እንትኸውን÷ ኣሜሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሁቲ መጥቃዕቲ እንትተብፅሕ ግን ንመበል ሻምናይ ግዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብ ኣውስትራሊያ፣ ባህሬን፣ ካናዳን ኔዘርላንድስን ብዝተረኸበ ሓገዝ ትኻየደ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እቲ ሓበራዊ መግለፂ ምሕባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment