ኣሜሪካን ብሪታኒያን ኣብ ትሕዝቶታት ዓማፂ ሁቲ መጥቃዕቲ ፈፂመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ብሪታኒያን ኣብ ትሕዝቶታት ዓማፂ ሁቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈፂመን።

ፈልፍል ሓበሬታ እቲ ዓማፂ ጉጅለ ዝኾነ ፈልፍል ዜና ኣል ማሲራህ ብምርቋሕ ዓረብ ኒውስ ከምዝፀብፀቦ፥ እቲ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ ከልተ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ የመን ኣብ ትርከብ ከተማ ቴዝ ተፈፂሙ።

እተን ሃገራት ዝፈፀምኡ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘርከብ ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ንዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቅድም እንትብል ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከብ ማእኸላዊ እዚ ኣሜሪካ ካብ ሁቲ ዝተሰደዳ ድሮናትን ከልተ ባለስቲክ ሚሳኤላትን ምዕናዉ ይዝከር።

ሎሚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማፂ ጉጅለ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።

Comments (0)
Add Comment