ኣሜሪካን ሩሲያን ብይሕደር ዘፅንሐኦ ድርድር ምንካይ ኣፅዋር ኒውክሌር ክጅምራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ሩሲያን ብይሕደር ዘፅንሐኦ ድርድር ምንካይ ኣፅዋር ኒውክሌር ንምዝታይ ክራኸባ ኢየን።

ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካን ሩሲያን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብፂ ከምዝራኸቡ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ምዝራቦም ኣር ቲ ፍልፍል ዜና ኣሜሪካ ፀሪሑ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ክልተኣዊ ልዝባት ኒውክሌር ዘብፀሖ ሓደጋ ንምንካይ ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምቲታት ትኹረት ዝገብሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዋላ እኳ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ እቲ ዘተ ዝካየደሉ ትኽክለኛ ቦታ ኣይሓብሩ እምበር ግብፂ ንክልቲአን ሃገራት ምስ ዘለዋ ዘይሻራዊ ቅዋም ክትምረፅ ከምትኽእል ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment