ኣማራፂታት ዕርቀ ሰላም ኣይቅበልን ዝበለ ጉጅለ ህወሓት ተወሳኺ ትዕግስቲ ኣየድሊን – ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ መንገዲታት ዕርቀ ሰላም ኣይቅበልን ዝበለ ጉጅለ ህወሓት ተወሳኺ ትዕግስቲ ከምዘየድሊ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ እናገበሮ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዝምልከት መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ብብዝሒ ኣብ ወፃኢ ጉዳያት ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝሓበረ እቲ ጉጅለ ዲፕሎማሲ፥ ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከእትዉ ዝፈተኑ ሃገራትን ትካላትን ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምርዳእ ዝተጉዓዞ ርሕቐት ውፅኢት ከምዘምፀአ ገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናኾነ ዝርከብ ጉዳይ ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦ ኣፍሊጡ፡፡

ይኹን እምበር ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝነበሩ ዕድላት ኩሎም ስለዘበላሸዎም ስራሕቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምዕዋት ዕንቅፋት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ዋላኳ እቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣብ ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝሰርሕ እንተኾነ፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ኣካይዳ ጉጀርለ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን እዋናዊ ኩነታትን ኣፀጋሚ ከምዝገበሩዎ ኣብሪሁ፡፡

ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ኣማራፂታት መፍትሒ ጎንፂታት ኩሎም ብምጥቃም ካብ ኣከይድኡ ንምምላስ እናፈተነ ከምዝነበረ ዝገለፀ እቲ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ፥ ይኹነር እምበር ኩነታታት ብቕልጡፍ ብምልዋጦም ጉዕዙኡ ከምዘተዓናቐፉዎ ኣብሪሁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተነኽአ ህዝቢ ኢዩ ኢሉ ስለዘኣምን፤ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምምካን ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፎ ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ዘይምጥና ዓውዲ ጎንፂ ዘእተዋ ጉጅለ ህወሓት ንምድምሳስ ንሰራዊት ምክልኻል ከምዝሕግዝ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ኢትዮጵያ ንምድሓን መስዋእቲ ከምዝኸፍል እውን ኣረጋጊፁ፡፡

ብሶዶ ለማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment